3 ኢትዮጵያውያን ተዓወትቲ ዓለም ለኸ ሽልማት ጣሊያን ዝኾነ ኢኒ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለስተ ኢትዮጵያውያን “ሰብ ወነንቲ ተውህቦ መናእሰይ ኣፍሪካ” ብዝብል ዘፈር ተዓወትቲ ዓለም ለኸ ሽልማት ጣሊያን ዝኾነ ኢኒ 2023 ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ተዓወትቲ እቲ ሽልማት÷ ኤልሻዳይ ሙሉ ፈጠነ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሞይ ኬንያ፣ ፂዮን ኣያሌው ከበደ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ናትናኤል ጥላሁን ስንሻው ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ኢዮም።
ካብ’ቶም ኢትዮጵያውያን ብተወሳኺ÷ ግሎሪያ ኣሞን ዱዱ ትበሃል ደቡብ ኣፍሪካዊት ካብ ዩኒቨርሲቲ ደርባን ኣብቲ ዓውዲ ተሸላሚት ከምዝኾነት ተሓቢሩ፡፡
ተዓወትቲ እቲ ሽልማት÷ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዶክትሬት ትምህርቶም ኣብ ጣሊያን ከምዝከታተሉ ተገሊፁ፡፡
ሽልማት ኢኒ ካብ ዝጀመረሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2008 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 11 ሺሕ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን መመልከቲታት ናብ ውድድር ከምዝቐረቡ ሓበሬታ እቲ ኩባኒያ የመላኽት፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com