Fana: At a Speed of Life!

ዝሐሸ ትምህርቲ ምሃብ እንተዘይተኻኢሉ ከም ማሕበረሰብ ክንከስር ኢና – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ንደቅና ዝሐሸ ትምህርቲ ምሃብ እንተዘይተኻሉ ከም ማሕበረሰብ ዝዓበየ ክሳራ ኢና ክነተኣናግድ” ክብሉ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝርከቡ 1ይን 2ይን ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ኢሌይ ዑደት ገይሮም፡፡

ድሕሪ ዑደቶም ምስ ኣካላት ምምሕዳር ትምህርቲ፣ መምህራንን ተምሃሮን ኣብ ከይዲ ትምህርቲ ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ እቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ንዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ዜጋታት ተማሂሮም ዝወፅኡሎም ይኹኑ እምበር ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ብዝተደለየ ብርኪ ከምዘይሰርሑ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እውን መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ብዙሓት ተምሃሮ ዝሓለፉ ተምሃሮ ኣዚዩ ውሑድ ቁፅሪ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ነዚ ድማ ተሓተትቲ መንግስቲ፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ትምህርቲን መምህራንን ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.