Fana: At a Speed of Life!

ካብ ጂቡቲ ብከባቢታት ዶብ ኣቢሎም ብዘይስሩዕ መገዲ ዝኣትዉ ዜጋታት ንምቁፅፃር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ጂቡቲ ብከባቢታት ዶብ ኣቢሎም ብዘይስሩዕ መገዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዜጋታት ንምቁፅፃር እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቶም ብዘይስሩዕ መገዲ ዘኣትዉ ዜጋታት፥ ግቡእ ዝኾነ ቅድመ ምርመራ እንተይተገበረሎምን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ (ኳራንቲን) እንተይፀንሑን ናብ ህዝቢ እናተሓወሱ ብምዃኖም ዝኸፍአ ፀገም ከየስዕቡ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ምስ ጂቡቲ ዝዋሰኑ ክልል ሶማሌን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣብዚ ጉዳይ ዝሰርሑዎም ዘለዉ ስራሕቲ እናታይ ከምዝመስል ሓቲቱ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ወይዘሮ ለምለም በዛብህ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ድሬዳዋ ምእታዉ ስዒቡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ውልቀ ሰባት ንኽክእ ዝነበሮም ክትትል ናይ ምግባር ከምኡ እውን ዝርገሐ ናይቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ዝሕግዙ ተግባራት እናተሳለጡ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ይኹን እምበር ሕዚ እውን ብዙሓት ዜጋታት ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ካብ ጂቡቲ ናብ ከተማ ድሬዳዋ እናኣተዉ ስለዝኾኑ፥ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ገሊፀን።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምቁፅፃር ቐጥታ ተሳትፎ ዘለዎ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ምምሕዳር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስግኣታት ከምዘለዉ ብምእማን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዉ ሰባት ንምቁፅፃር ዝውሰዱ ዘለዉ ተግባራት ጉድለት ከምዘለዎም ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሳ ጠሃ፥ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ንምቁፅፃር ምስ ጎረቤት ክልል ሶማሌ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ ክፍተት ከምዘሎ ግን ኣብሪሆም።

እቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ክልል ሶማሌ ብግድኡ ኣብ ከባቢታት ዶብ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን መንግስቲ ፌዴራልን ናይ ሓባር ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ገሊፁ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢታት ዶብ ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒ ንምጥያሽ ይሳራሕ ኣሎ ኢሎም።

ዘስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዜጋታት ንምቁፅፃርን ኣብቲ ከባቢ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባርን እናተሰርሐ ምዃኑ ኢዮም እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዝገለፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.