ኮሚሽ ሃገራዊ ምኽክር ዝወገኖም ስራሕቲ ኣመልኪቱ ንማሕበረሰብ ዓለም ገለፃ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እናሰርሖም ብዛዕባ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣመልኪቱ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ገለፃ ገይሩ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ÷ እቲ ገለፃ እቲ ኮሚሽን ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲ ብዝርዝር ንምፍላጥ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።
ክሳብ ሕዚ ኣካታታይነት ንምርግጋፅ ክሳብ ወረዳ ብምውራድ ስልጠናታትን ልዝባትን ከምዝተገበሩን ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ምፍላይ ተሳተፍቲ ከምዝተሳለጡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ ምፍላዩ ምዝናቕ ፆታን ዕድመን ንኽህሉን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ክብ ንኽብል እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣልዒሎም።
ኣብ ከይዲ ምኽክር 43 ምስ ዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ እናተዘራረቡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ÷ ምስ ሲቪክ ማሕበራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ምኽክር ማሕበረሰብ ዳያስፖራ እውን ከምዘካትት ብምልዓል ክሳብ ሕዚ ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ ልዝብ ከምዝገበሩ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝገብሩዎ ዘተ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን በዚ ድማ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ኣብሪሆም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲያዊን ምትእኽኻብ ሃፍቲን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ዝተኸፈተ ትረስት ፈንድ ልዕሊ 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምዝገበረ ኣብሪሆም፡፡
ብዘመን በየነ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com