ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኤሚ ኢ ፖፕ ተዛቲየን።
ኤሚ ኢ. ፖፕ ቀዳማይ ዑደት ስረሐን ኣብ ኢትዮጵያ ገይረን፡፡
ኣብ ዑደተን ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝገበረኦ ልዝብ÷ ኢትዮጵያ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ምዃና ብመንፅር ዕላማ እቲ ትካል ንዝለዓለ ምትሕብባር ቁልፊ ግደ ትፃወት ሃገር ከምዝኾነት ኣልዒለን፡፡
ኣብ ተመዛበልቲ ዝበለፀ ምስራሕ ከምግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሓቲተን፡፡
ፍልሰት ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝምልከተን ሃገራት ሚኒስትራ ኣኼባ ንምትእንጋድ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።