Fana: At a Speed of Life!

ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ምምሕያሽ ምውፋር ሰዓት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ምምሕያሽ ምውፋር ሰዓት ምግባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ከምዝገለፆ፥ መንግስቲ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ፌዴራልን ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ዝገበሮ ናይ መውፅኢን መእተዊን ሰዓት ለውጢ መሰረት ብምግባር ምምሕያሽ መዋፈሪ ሰዓት ክገብር ክኢሉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ንጉሆ ሰዓት 1፡30 ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ፌዴራል፥ መበገሲ ሰዓት ኣውቶብስ ቅድሚ ሕዚ ብዝነበሮ መርሃ ግብሪ ከምዝቕፅል ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ትካል ኣይተ ሰሎሞን ኣምባቸው ተዛሪቦም።

ረፋድ 3፡30 ናብ ስራሕ ንዘኣትዉ ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ኣዲስ ኣበባ ድማ መበገሲ ሰዓት ኣውቶብስ ካብ ኑጉሆ ሰዓት 2፡00 ምዃኑ ገሊፆም።

መውፅኢ ሰዓት ሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ፌዴራል ስለዝተቐየረ፥ እተን ኣውቶቡሳት ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡30 ጀሚረን ኣብ ልሙድ ቦተአን ከምዝርከባ ኣብሪሆም።

ንሰራሕተኛታት ፐብሊክ ሰርቪስ ኣዲስ ኣበባ ድማ ካብ ሰዓት 11፡30 ጀሚረን ድሉዋት ክኾና ኢየን ተባሂሉ።

እቲ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ትራንስፖርት ንምንካይ ልዕሊ 240 ኣውቶብሳት ግልጋሎት ታክሲ ንኽህባ ከምዘዋፈረ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ካብ ውሽጢ እዚኣተን፥ 50 ኣውቶብሳት ብዘይክፍሊት ብናፃ ኣገልግሎት ዝህባ ምዃነን እውን ተዛሪቦም።

ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ግልጋሎት ትራንስፖርት ንዝደልዩ ሰብ ሞያታት ጥዕና ቅድሚያ ንኽህቡ ንኹሎም ኣሽከርከርቲ መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.