Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐረቡሉ ትልሚታ መርሚሩ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)6 ዘበን ፓርላማ፣ 3ይ ዓመት እዋን ስራሕ፣ 1ይ ስሩእ ጉባኤኡ እናካየደ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐረቡሉ ትልሚታ መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ኣብቲ ጉባኤ ድማ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣፈፃፅማ ክትትል ትርጉምን ውሳነን ሕገ-መንግስቲ፣ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ መንግስታት ዲሞክራሲያዊ ሓድነትን ኣስተምህሮ ሕገ-መንግስቲን፣ ቀዋሚ ኮሚቴ ድጎማ በጀትን ሓበራዊ እቶትን፣ የማንነት፣ ቀዋሚ ኮሚቴ ምሕደራ ወሰንን ህንፀት ሰላምን ከምኡ እውን ማእኸል ኣስትምህሮ ሕገ-መንግስቲን ፌዴራሊዝምን ዘቕረቡዎ ትልሚ በጀት ዓመት 2016 ተዛቲዩ ኣፅዲቑ፡፡

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐረቡሎም ትልሚታ ምስ ኣድመፁ ሕቶታትን ርኢቶታትን ዘቕረቡ እንትኾኑ÷ ኣመራርሓታት እቶም ቀዋሚ ኮሚቴ ድማ መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገርን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተረኸቡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.