Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ዓውደ ምርኢት ኢንቨስትመንት ቱሪዝምን ሆስፒታሊቲን ፅባሕ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳይንስ ሙዝየም ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ሃገር ለኸ ዓውደ ምርኢት ኢንቨስትመንት ቱሪዝምን ሆስፒታሊቲን ፅባሕ ንበፃሕቲ ከምዝኽፈት ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣፍሊጡ፡፡

ካብ 29 መስከረም ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ክፍቲ ኣብ ዝኸውን ዓውደ ምርኢት÷ ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከቡ መባፅሕቲ ቱሪዝም፣ ባህላዊ ክዳውንቲ፣ ናውቲ፣ ንኢትዮጵያ ዘፋልጡ ክብሪታትን ባህሊን ክቐርቡ ኢዮም፡፡

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘድሀቡ ፓናል ዘተታት ከምዝካየዱ እውን ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ኣለማየሁ ጌታቸው ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

ልዕሊ 100 ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተዋፈሩ ኣካላት ኣብቲ ዓውደ-ምርኢት ከምዝሳተፉ እውን ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.