Fana: At a Speed of Life!

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ርክብ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንኸዓቢ ቭዕቱብ ክስራሕ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ርክብ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንኸዓቢ ቭዕቱብ ከምዝስራሕ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዘፈር ዝተረኸበ ዓወት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ብምሕላው ኣፈፃፅምኡ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንኸዓቢ ከምዝስራሕ ኣብሪሀን፡፡

“ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ርክብ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንኸዓቢ ቭዕቱብ ክስራሕ ኢዩ” ኢለን።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝግበሩ ድርድራት ኢትዮጵያ ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ናይ ምልማዕ መሰላ ከምኡ እውን ዕድል ምልማዕ መፋስስቲ ሃገራት ብዘይኽልክል መልክዑ ከምዝውገን ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያ ዶብ ምስ ትዋሰነለን ሃገራት ዘይተዛዘሙ ጉዳያት ዶብ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ ምላሽ ንኽረኽቡ ጥንኩራት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ  ከምዝስርሑ ኣብሪሀን፡፡

ጉዳያት ዶብ ብሄራዊ ረብሓታትን ዘላቒ ፈተውቲ ጎረባብቲ ን ብምሕዳሳብ ምላሽ ንኽረኽቡ ብሓባር ከምዝስራሕ ኣገንዚበን፡፡

“ብሓፈሻ ርክብ ወፃኢ ፈታዊ ዘብዝሕ፣ ፀላኢ ዝንኪ ከምኡ እውን መሓዙት ልምዓት ዝሓቁፍ ንኽኸውን ክስራሕ ኢዩ” ኢለን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.