Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 111 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ዝተገበረሎም 396 ሰባት እቶም ሰለስተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እቶም በቲቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ነበርቲ ከተማ ድሬዳዋ ኢዮም።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም እቶም ደቂ 11ን 15 ዓመት ሰገናት ካብ ጂቡቲ መፂኦም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ሳልሳይ ውልቀሰብ ወዲ 18 ዓመት ምንእሰይ እንትኸውን፥ ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሉን በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዘለዎን ምዃኑ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 111 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ካብዚኣቶም ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ፅኑዕ ሕሙማት ክፍሊ ዝርከብ እንትኸውን፥ 16 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩን 91 ሰባት ኣብ ፈሊኻ መሐከሚ ክትትል እናተገበረሎም ከምዝርከብን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.