Fana: At a Speed of Life!

ልዕልነት ሕጊ ምኽባርን ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅን ዋና ተግባር በጀት ዓመት መንግስቲ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ተዛሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ፣ መገዲታት ሰላም ፀንቂቕካ ምጥቃምን ሃገራዊ ሰላም ምርግጋፅን ዋና ተግባር በጀት ዓመት መንግስቲ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

6ይ ዙር 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ተኻይዱ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዝገበረኦ መደረ÷ ኣንፈታት ትኹረት በጀት ዓመት 2016 መንግስቲ ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን፡፡

ኣብ መብርሂአን ድማ÷ ” ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኩለመዳይ ዕቤት ሃገርና ክቕፅል ምግባር ቀንዲ ዕላማና ኢዩ” ክብላ ገሊፀን፡፡

ልምዓትን ጥፍኣትን ጎኒ ንጎኒ ሒዝካ ምጉዓዝ ንዘላቒ ሃገራዊ ዕቤት ዕንቅፋት ኢዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት÷ “ዕንቅፋታት ክለዓሉ ምግባርን ዘላቒ ምዕባለ ሃገርና ምቅልጣፍን ንፃት ጠጠው ነብሎ ጉዳይ ኣይኮነን” ኢለን፡፡

ናይ ሓይሊ ኣማራፂ ብምጥቃም ፖለቲካዊ ድሌት ንምምላእ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ተግባራት መንግስቲ ከምዘይዕገስ እውን ኣረጋጊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.