Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ጦር ሓይላ ናብ እስራኤል ከምዘፀገዐት ተሰሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ ኣሜሪካ ጦር ሓይላ ናብ እስራኤል ከምዘፀገዐት ተሰሚዑ።

ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ከምዝሓሮ÷ መጥቃዕቲ ሃማስ ስዒቡ ዋሺንግተን ኣውሮፕላን ዝሽከማ መርከባትን ተዋጋእቲ ጄታትን ናብ ምብራቕ ባሕሪ ሜዲትራንያን እናንቀሳሰት ትርለከብ፡፡

እቲ ወታደራዊ ምንቅስቓስ÷ መጥቃዕቲ ሃማስ ንምክልኻልን ንእስራኤል ሓገዝ ኣፅዋር ንምግባርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን÷ ሃማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ “ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ዘስካሕኽሕ ተግባር” ክብሉ ምኹናኖም ይዝከር፡፡

ፕሬዚዳንት ኢብራሄም ራይሲ ኢራን ብግደኦም÷ “እስራኤል ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ኻደጋ እናውደቐት ትርከብ” ክብሉ ወንጂሎምዋ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.