Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኢኣዲስ አኣበባ ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኢሬቻ በዓል ሰላም፣ ዕርቂን ሓድነትን ኢዩ ኢሎም።

“ኢሬቻ ዝፈልጥ ሰብ ቂም ተፀይፉ ሰላምን ይሰብኽ፣ ሰላምን ሓድነትን፣ ሕብረትን ሕውነትን መምርሒኡ እዩ፣ ካብ ፈጣሪ ንዝተቐበሎ ክቡር ህያብ ኣፍልጦ ይህብ፣ ሕብሪን ምትሕብባርን ፍጡራን እናድነቐ ንፈጣሪ ምስጋና የቕርብ” ኢሎም።

“ከም በዓል ኢሬቻ ዝቀለ ዓብዪ ስርዓት ሓድነትና ዘጠናክር መሳርሒ ገይርና ብመሓዝ፣ ካብ ቀረባን ርሑቕን ኣብ ልዕሊ ጉዕዞ ምዕባለና ዝፍኖ መፃወድያ ኩሉ ሰባቢርና ዝሓዝናዮ ዕላማን ራኢን ነሳኸዐሉ ታሪኻዊ ዘበን ጉዕዞ ይኹነልና” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.