Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓበሬታ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር  ኢንዱስትሪን ግልጋሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያን ሃገር ለኸ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓበሬታ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሞም።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብቲ ስምምነት ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሚኒስቴር ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እንትጅምር ሕፅረት ሓበሬታ ዓብዪ ፀገም ኮይኑዎ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ባንኪ ዓለም ለኸ ሓገዝ ስርሑ ንምጅማር ከምዝበቕዐ ገሊፆም።

ተኣማኒ ብዝተረዝኾነን እዋናዊ ሓሬታን ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣዚዩ ከምዝድግፎም፤ ነቶም ኢንዱስትሪታት ዝግብኡ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ሓበሬታ ዝተመስረቱ እንትኾኑ ውፅኢት ከምዝመፅእ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪታት በታቲኖም ዝርከቡ ስለዝኾኑ ብምትእስሳር ንምስራሕ እቲ ሓበሬታ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብዘመን በየነ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.