Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክስ ኢትዮጵያ ንምዝማን ሓገዝ ከምዝገብር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕደራ ታክስ ኢትዮጵያ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ባንኪ ዓለም ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ።

ሚኒስቴር እቶትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ባንኪ ዓለምን “ምሕደራ ታክስ ኢትዮጵያን ብምዝማን ወፃኢ ዝቑጥብን ውፅታዊን ግልጋሎት ምሃብ” ብዝብል ማዕቐፍ ኣብ ዝትግበር ፕሮጀክት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣታዊ ታክሲ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ጥምረት ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ፖሊሲ ታክስ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ሓሳባት ሪፎርም ናይ ምፍልፋል፣ ቅልጡፍ፣ ዘበናዊን ተበፃሒ ስርዓት ምሕደራ ታክስን ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ብቴክኖሎጂ ምስላጥ ከምኡ እውን ንከፈልቲ ታክስ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ደረጃ ፅሬቶም ምምሕያሽ ዘካትት ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.