Fana: At a Speed of Life!

ጃክ ማ ንሳልሳይ እዋን ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ክልእኹ ኢዮም

አዲስ አበባ ፣ ሚያዚያ 11 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መስራቲን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ፋውንዴሽን ኣሊባባ ጃክ ማ ንሳልሳይ እዋን ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ክልእኹ ኢዮም።

ጃክ ማ ብዝሓት ኣቑሑት ሕክምና ንሳልሳይ ግዘ ናብተን ሃገራት ከምዝልእኹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ማስክታት፣ 500 ሺሕ ናሙና መውሰዲን መመርመሪታትን፣ 300 መሳርሒታት መተንፈሲ፣ 200 ሺሕ ክዳውንቲ ሕክምናን 200 ሺሕ መሸፈኒ ገፅን ክልእኹ ኢዮም።

ብተወሳኺ 2 ሺሕ መለክዒ ሙቐት፣ 100 መሳርሒታት መለክዒ ሰውነትን 500 ሺሕ ፅምዲ ናይ ኢድ ጓንቲን እውን ክለኣኹ ኢዮም ተባሂሉ።

ጀክ ማ ቅድሚ ሕዚ ንሃገራት ኣፍሪካ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝኸውን ብክልተ ዙር ሓገዝ ምግባሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.