Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ሃገር ስጋት ዝፈጥር ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ዝተጠረጠሩ 30 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ሃገር ስጋት ዝፈጥርን ሸርፊ ወፃኢ ዘስእንን ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ዝተጠረጠሩ 30 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ሸገር ከተማ፣ ቢሾፍቱ፣ ሞጆ፣ ኣዳማ፣ ሃዋሳን ጂማን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ልዕሊ 73 መሳርሒታት መጭበርበሪ ቴሌኮም ከምኡ እውን 30 ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባት ኢድ ብኢድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ምምሕዳር ኢድሕንነት መርበብ ሓሬታ ምስ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ከምኡ እውን ሰብ ሞያ ግልጋሎት ቴሌኮም ወሃብቲ ትካላትን ሕብረተሰብን ብምውዳድ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ተዋሳእቲ ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ጥቡቕን ምስጢራዊን ክትትል እናገበሩ ምፅነሖም እተን ትካላት ዝረኸቡዎ ውፅኢት ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም፡፡

ተጠርጠርቲ ዝተፈላለዩ ናይ ውልቀ ሰብ ኣባይቲን ቀፅሪታትን ብምክራይ መጭበርበሪ መሳርሒታት ተጠቒሞም ገበን እናሰርሑ ምፅነሖም እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘሕጋዊ ተግባር ክውዕሉ ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሺሕ ሲም ካርድታት ሳፋሪኮምን ኢትዮቴሌኮምን ከምዝተትሓዙ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ መጭበርበሪታት ጌትዌይ÷ ብሓደ ግዘ 127 ናይ ኢትዮ-ቴሌኮም ወይ ድማ ሳፋሪኮም ሲም ካርድ ክሕዝ ዝኽእል መሳርሒ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ፡፡

በዞም መሳርሒታት ዝፍፀሙ ናይ ምጭብርባር ተግባራትኢትዮጵያ ካብ ዓለም ለኸ ግልጋሎት ቴሌኮም ክትረኽቦ ዝግባእ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘስእን ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ኢትዮ ቴሌኮምን ሳፋሪኮምን ኣብ ዝሓለፉ ሽሽተ ኣዋርሕ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምፍፃሚ ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ከምዝሰኣኑ ኣፍሊጦም ኢዮም።

እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ድሕንነት ሃገር ስግኣት ዝፈጥር ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ሓበራዊ መግለፂ÷ ብመሳርሒታት መጭበርበሪ ዝተልዓለ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ቴሌኮም ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዝፈጥር እውን ኣብሪሁ፡፡

ኣብቲ ገበን ምጭብርባር ዝሳተፉ ውልቀ ሰባት ሰፊሕ ኔትዎርክ ዘለዎም እንትኾኑ፤ ካብ ዓለም ለኸ ተዋሳእቲ ክሳብ ውሽጢ ሃገር ኣካረይቲ ምትእስሳር ከምዝፈጠሩ ሓበራዊ መግለፂ እቶም ትካላት ኣፍሊጡ፡፡

መጭበርበሪ መሳርሒታት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዶብ ኣቢሉ ከሳብ ማእኸል ከተማ ዝቀባበሉ ደለልቲ፣ ብዙሓት ሲም ካርድታትን ሞባይል ካርድን ኢትዮቴሌኮምን ሳፋሪኮምን ነዞም ኣጭበርበርቲ ዘብፅሑ ተሓባበርቲ ገበነኛታት ከምዝርከቡዎ ኣመልኪቱ፡፡

ብፍላይ ተጠርጠርቲ መቐመጢኦም ኬንያ፣ ሶማሊያን ካልኦት ሃገራትን ምስ ዝገበሩ ዜጋታት ብምትሕብባርን ተቖፂሮም ብምስራሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝተበፅሖም ሓቢሩ።

ኩሎም ኣብ ልዕሊ ሃገር፣ ዜጋታትን ትካላትን ልዑል ጉድኣት ዘብፅሑ ከምዚኦምን ካልኦትን ዝበሉ ገበናት ዝፍፅሙ ኣካላት÷ ካብ ዓይኒ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ከምዘይስወሩ ተገንዚቦም ካብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ከምዝግባእ መግለፂ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ኣገንዚቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.