Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ-ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን በዓል ኢሬቻ ብሰላም ንኽኽበር ምስ ኣባገዳታትን ሃደሲንቄታትን ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ-ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ኣርሰዲን ብሰላም ንኽኽበር ምስ ኣባገዳታትን ሃደሲንቄታትን ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዘተ ተኻይዱ።

ኮሚሽነር ጄነራል ፌደራል ፖሊስ ደመላሽ ገ/ሚካኤል÷ እቲ በዓል ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ንኽዛዘም እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተዛሪቦም፡፡

እቲ በዓል ብሄር ብሄረሰባትን ቱሪስታትን ዝሳተፉሉ ብምዃኑ ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ሓበራዊ ግብረ-ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ምስ ኣባገዳታትን ሃደሲንቄታትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ እውን ፀሪሖም፡፡

ሓይሊ ፀፅታ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ትኹረት ሂቡ ብምስርሑ በዓላት ሓዱሽ ዓመትን ዳሜራ መስቀልን ብሰላም ብዝተኸበሩሉ ኣግባብ በዓል ኢሬቻ እውን ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ምድላው ዛዚሙ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

“ነዚ ድማ ምስ ህዝቢን መንግስቲን ብምትሕብባር እቲ በዓል ብሰላም ኽኽበር ክንገብር ኢና” ምባሎም ካብ ፌደራል ፖሊስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.