Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ዓቕመ ደካማታት ብምሕጋዝ ህዝባዊነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ዶብ ሃገር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ዓቕመ ደካማታት ብምሕጋዝ ህዝባዊነቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስቴር ምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተመሰረተሉ መበል 116 ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ብትሑት ኣታዊ ዝመሓደሩ ዓቕመ ደካማታት ልዕሊ 103 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝሃነፆም ኣባይቲ ኣረኪቡ።

እቶም ኣባይቲ ካብ መንበሪ ሓሊፉ ንግልጋሎት ንግዲ ዝውዕሉ ሹቓት እውን ዘካተቱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብቲ ርኽክብ ስነ-ስርዓት ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ዝርከቡ ብትሑት ኣታዊ ዝመሓደሩ ዓቕመ ደካማታት ፀገም ንምፍታሕ ዘኽሉ ስራሕቲ እናወገነ ይርከብ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እውን ኣባይቲ ብምሕዳስ እናረከበ ምፅንሑ ብምግላፅ÷ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዘበናዊ ኣባይቲ ሃኒፁ ህዝቢ ናይ ምትሕብባር ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.