Fana: At a Speed of Life!

ጋና ኣንቢራቶ ዝነበረት ገደብ ምንቅስቓስ ብኽፋል ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኮፋዶ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዝነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ብኽፋል ምልዓሎም ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ኣኮፋዶ እቲ ውሳነ ከመሓላለፉ ዝኸኣሉ፥ ኣብ ጋና ማእኸላት መመርመሪ ብምስፍሕፍሑን ፈሊኻ መፅንሒ ቦታታት ብምውሳኹን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ሓማም ዘሎ ግንዛበ ከዓቢ ብምኽኣሉ ኢዩ።

ይኹን እምበር ዜጋታት እንትንቀሳቐሱ ናይ ገፅ መሸፈኒ (ማስክ) ምግባር ክርስዑ ከምዘይግባእ እቶም ፕሬዚዳንት ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ዝለዓል ገደብ፥ ምትእኽኻን ኣቢያተ ምኽፋት ትምህርቲን ከምዘየሓውስ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ጋና ክሳብ ሕዚ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 1ሽሕን 042 ዝበፅሑ እንትኾኑ፥ ትሽዓተ ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.