Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ “ሊደርሺፕ ኢኒሼቲቭ” ከንቲባታት ኣፍሪካ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ “ሊደርሺፕ ኢኒሼቲቭ” ከንቲባታት ኣፍሪካ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ሓላፊት ቢሮ ኮሙኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ እናትኣለም መለሰ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ እታ ከተማ ካብ ፅባሕ ጀሚራ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ፣ ኣህጉር ለኸ ከምኡ እውን ሃገር ለኸ መድረኻት ከምተተኣናግድ ኣመልኪተን።

“24ን 25ን መስከረም መድረኽ “ሊደርሺፕ ኢኒሼቲቭ” ከንቲባታት ኣፍሪካ፣ 28ን 29ን መስከረም ፕሮግራም ማእኸል ልህቀት ቀዳማይ ቁልዕነት ንምህናፅ ዝሕግዝ ዓለም ለኸ መድረኽ ምኽክር ከምኡ እውን ካብ 28 መስከረም ክሳብ 1 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ሃገር ለኸ መድረኽ ልውውጥ ልምዲ መራሕቲ ክካየዱ ኢዮም” ኢለን፡፡

እቶም መድረኻት ብኹሉ ወገን ዝተጀመሩ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ፕሮጋራማት ልምዓት ኣፍልጦ ንኽረኽቡ ከምዘኽእሉ ምግላፀን ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.