Fana: At a Speed of Life!

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና ትግራይ መምርሒ ኣወሳስና ቕፅዓት ገበን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 09 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ መምርሒ ኣወሳስና ቕፅዓት ገበን ከምዘፅደቐን ተሃነፅቲ ንምፍታሕ ዘኽእል ውሳነ ከም ዘመሓላለፈን ኣፍሊጡ።

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 09 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ መምርሒ ኣወሳስና ቕፅዓት ገበን ከምዘፅደቐን ተሃነፅቲ ንምፍታሕ ዘኽእል ውሳነ ከም ዘመሓላለፈን ኣፍሊጡ።

ብምዃኑ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ማለት ብምኽንያት ምክልኻል ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ምፍታሕ ተሃነፅቲ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ ብውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና ከምዝፍፀም አብ ዓንቀፅ 18 ዝተደንገገ መሰረት ኣብ ዝስዕቡ ጉዳያት ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

  1. ካብ 17 መቢጋት 2012 ዓ/ም ክሳብ 01 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ድንጋገ ህፁፅ እዋን ቑፅሪ 1/2012 ወይ ነዚ ድንጋገ ሲዒቡ ዝወፀ መምርሒ ወይ ውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና ጥሕሰት ገበን ተኸሲሶም ብሰለስተ ወርሕን ትሕቲኡን ብእስራት ክቕፅዑ ተፈሪዱዎም ኣብ ህንፀት ዘለዉ ፍርደኛታት ብይቕረታ ክፍትሑ
  2. ብመሰረት ኣብቑፅሪ 1 ዝተቐመጠ ውሳነ ብይቕረታ ዝፍታሕ ተሃናፂ ካብ እስራት ብተወሳኺ ዝተፈረዶ ቕፅዓት እንተሃልዩ ቕድሚ ምፍትሑ ክፍፀም ይግባእ
  3. ብመሰረተ ኣብቑፅሪ 1 ዝተቐመጠ ውሳነ ብይቕረታ ዝተፈተሐ ተሃናፃይ ደጊሙ ብጥሕሰት ድንጋገ ህፁፅ እዋን ቑፅሪ 1/2012 ወይ ነዚ ድንጋገ ሲዒቡ ዝወፀ መምርሒ ወይ ውሳነ ጥሕሰት ገበት ተኸሲሱ ጥፍኣተኛ ዝበሃል እንተኾይኑ ቐዲሙ ዝተወሃቦ ይቕረታ ተሰሪዙ ምስ ዲሒሩ ዝፍረደሉ ቕፅዓት ተደሪቡ ይፍፀም።

ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ኣብ ቑፅሪ 1 /2012 ዘመሓላለፎ ውሳነ ዝወሃብ ይቕረታ ካብ 09 ክሳብ 12ሚያዝያ 2012ዓ/ም ተፈፃማይ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብቲ ስሩዕ ኣኼብኡ”መምርሒ ኣወሳስና ቕፅዓት ገበን ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቑፅሪ 05/2012″ እውን ወሲኑ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.