Fana: At a Speed of Life!

በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ሕውነትና ብምጥንኻርን ቫይረስ ኮሮና ብምክልኻልን ክኸውን ይግባእ-ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ሕውነትና ብምጥንኻርን ቫይረስኮሮና ብምክልኻልን ክኸውን ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ትንሳኤ ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንኹሎም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኢሎም።

በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ሕውነትና ብምጥንኻር ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ ምክልኻልም ምቁፅፃርን ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ቫይረስኮሮና ዓለምና ኣጨኒቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና ብምባል፥ ነዚ ፈተና ብዓወት ንምስጋር ከም መንግስትን ህዝብን ተደጋገፍናን ሓድነትና ኣጠናኺርናን ክንዳሎ ኣለና ኢሎም።

እቲ ቫይረስ ከስዕቦ ንዝኽእል ፀገም ኣቐዲምና እኹል ሃገራዊ ምድላው እንተገይርና ብዘይከቢድ ፅዕንቶ ክንዋፅኦ ከምእንኽእል እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.