Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ “ዓውደ ምርኢት ኤክስፖ 2023 ዶሃ” ትተሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ‘ሓምለዋይ በረኻ፣ ዝሐሸ ከባቢ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዶሃ ቢዳ ፓርክ ዝተኸፈተ ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ሆርቲካልቸር ትተሳተፍ ኣላ።

ኣብ ኳታር ኣሚር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣል ታኒ ዝተኸፈተ ዓውደ- ምርኢት÷ በረኻነት ናይ ምውጋእ ዕላማ ዘለዎ ከምዝኾነን ዘበናዊ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን፣ ግንዛበ ሓለዋ ከባቢን ዘላቕነትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኺውዲ ሆርቲካልቸር ንምፍላጥን ንምድንፋዕን ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ዓውደ- ምርኢት ምዃኑ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ዓውደ- ምርኢት ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዘ ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ፡፡

ን179 መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ዓውደ ምርኢት÷ ናይ ውልቀ ኩባንያታት ሓዊሱ 80 ዝኾና ሃገራት፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.