Fana: At a Speed of Life!

ህዝብና መንግስቲ ብመሰረት ዘውረዶ መምርሒ ብሙሉእ ትግሃት ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ እንእድ – ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ህዝቢ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ  መንግስቲ ብመሰረት ዘውረዶ መምርሒ  ህዝቢ ብሙሉእ ትግሃት ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ንኢዶም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ፌስቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ “ካብ 17 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚርና ኣብ ልዕሊ ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዕሊ ውግእ ጀሚርና ኢና፤” ኢሎም።

“ህዝብና እውን መንግስቲ ብመሰረት ዘውረዶ መምርሒ ብሙሉእ ትግሃት፣ በዚ ውፃእ በዚ እቶ እንከይተባህለ ዝነኣድ ምንቅስቃስ እናገበረ ፀንሑ እዩ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፂዮን፥ ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ “ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ የለን፣እዛ ሕማቅ ግዜ ተሓጋግዝና ንስገራ” ብዝብል ሓያል ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ፣ ብዓይነትን ብገንዘብን ዝግበር ዘሎ ወፈያታት ዘኹርዕ ተግባር’ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ነዚ ሰናይ ተግባርኩም ዘለና ናእዳ ብዝለዓለ ክብሪ ክገልፀልኩም እፈቱ ድማ ኢሎም።

እዚ ሰናይ ተግባር’ዚ ካብቶም ተዓቂቦም ክሰጋገሩ ዝግበኦም ክብሪታትና ሓደ እዩ ብምባል፥ ብቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ተላቢዮም።

ብቐፃሊ እውን ሸለልትነት ብምውጋድ ኩሎም ዝተነፀሩ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ተግባር ምውዓልን እቲ ቫይረስ ክንከላኸሎን ክንቆፃፀሮን ኣለና ክብሉ መልእኽቶም ኣተሓላሊፎም።

ነዚ ‘ውን ብሕብረትን ብምትሕግጋዝን ዘይሕለፍ ፈተና የለን ክብሉ ኣገንዚቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንዘሎ ትግራዋይ ብሙሉኡ “ኣብ ጎድኒ ህዝብኹምን መንግስትኹምን ዓሲልኩም ኩለመዳይ ቃልስኹም ቀፅልሉ፤ጥዕናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ግጥም መርሕ ተራ ክትፃወቱ ይግባእ፤” ክብሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መልእኽቶም ኣተሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.