Fana: At a Speed of Life!

ስዑድ ዓረብ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ፍርቂ ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምሕጋዝ ቃል ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ዝኾነት ስዑድ ዓረብ ንክትባትን ተተሓሓዝነት ዘለዎም ፀረ ቫይረስ ኮሮና ስራሕቲን ንምስራሕ ዝውዕል 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምትገብር ኣፍሊጣ።

ስዑድ ዓረብ እቲ ሓገዝ ንምግባር ዝወሰነት፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻን ንምቁፅፃርን ማሕበረሰብ ዓለም 8 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቡ ስዒቡ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አናሓኖም፥ ስዑድ ዓረብ ንፀረ ቫይረስ ኮሮና ዝገበረቶ ተወሳኺ ሓገዝ ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብኣንፃሩ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ እቲ ትካል ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝገበሮ ፃዕሪ ፀገም ኣለዎ ብዝብል ክተቋርፅ ምውሳና ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን እዋኑ ዘይሓለወ ውሳነ ብምባል እናኾነነኦ ይርከባ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.