Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ሊያ ታደሰ ንሰብ ሞያታት ሕክምና ቻይና ምስጋና ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ንዝተለኣኹ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ሕክምና ቻይና ኣመስጊነን።

እተን ሚኒስትር ኣብ መሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፀን ከምዝፀሓፈኦ፥ እቶም ሰብ ሞያታት ሕክምና ኣብ ምቁፅፃር እቲ ለበዳ ሕማም ዘለዎም ዝኻዕበተ ልምዲ ብምክፋል ህፁፅ እታወት ሕክምና ከምዘቕርቡ ኣፍሊጠን።

ዶክተር ሊያ፥ “መንግስቲ ቻይና ኣብዚ ፈታኒ እዋን ንኢትዮጵያ ዝገበሮ ሓገዝን ዘርኣዮ ምሕዝነትን ብሽም ሚኒስቴር ጥዕናን ብሽመይን ከመስግን ይፈቱ” ኢለን።

ብተወሳኺ ዶክተር ሊያ ታደሰ ምሕላው ኣካላዊ ርሕቐት፥ ንሕድሕድና ካብ ምትሕግጋዝን ብልግስና ካብ ምትሕስሳብን ክዓግተና ከምዘይግባእ ገሊፀን።

ሰብ ሞያታት ጥዕና፣ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፣ ካብ ቫይረስ ኮሮና ዝሓወዩን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ፀንሖም ዝወፅኡን ምግላል ኣግባብ ከምዘይኮነን ምትሕግጋዝ ከምዝግባእን እውን ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.