ኣይተ ደመቀ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምንካይ ዝተዋደደ ፃዕሪ ንኽግበር ፀዊዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ክሌማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምንካይ ዝተዋደደ ፃዕሪ ንኽግበር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኣይተ ደመቀ ኣብ ጎድና ጎኒ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መግስታት ክሌማዊ ለውጢን ክውሰዱ ዝግበኦም ተግባራት ምክልኻልን ዘድሃበ መድረኽ ተሳቲፎም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 32 ቢሊየን ኩለመዳይ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ኣልዒሎም፡፡
እናተጋደደ ዝመፅአ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብቲ ጉዳይ ብምትሕብባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ምስ ፕሬዚዳንት መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ዳኒስ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጠሚቶም ዝዘተዩ ኣይተ ደመቀ÷ ኢትዮጵያ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ብዘተኣማምን ኩነታት ንምትግባር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡
ዳኒስ ፍራንሲስ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ትገብሮ ፃዕሪ ትካሎም ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡
ኣይተ ደመቀ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ (ዩኒዶ ) ገርድ ሙለር ተዛቲዮም።
ዩኒዶ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኩለመዳይ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዎ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com