ሓይሊ ንምርካብ እናተፀበዩ ንዝርከቡ 375 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓይሊ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፀገም ቀረብ እታወት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ እናተፀበዩ ንዝርከቡ 375 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓይሊ ንምቕራብ እናተሰርሐ ምዃኑ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ግልጋሎት ሓላፊ ምትሕብባር ቀረብ ሓይሊ ኣይተ ነብዩ በየነ÷ ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝረአ ምቁርራፅን ሕፅረትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጠቀምቲ መደብ ታሪፍ ዓማዊል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ደረጃ ዕግበት 60 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ እውን ገሊፆም፡፡
ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝፈጠሮ ምንቕቓሕ እቲ ግልጋሎት ምስ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ብምትሕብባር ኮሚቴ ቴክኒክ ኣጣይሾም ተበፃሒ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ንሓደሽቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓይሊ ንምቕራብ ፀገማት ምኽባር ወሰንን ቀረብ እታወትን ልዑል ማሕለኻታት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
ምስ ሕፅረት እታወት ተተሓሒዙ ትራንስፎርመራትን ካልኦት ኣቑሑት ዝርገሐ መስመርን ልዕሊ ዓቕሞም እናተሸከሙ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡
እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተኸታታሊ ምኽክር እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ እናተፀበዩ ንዝርከቡ 375 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓይሊ ንምቕራብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com