Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝቢ ብዘጉልህ መገዲን ክኽበር ከምዝኽበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝብን ብዘጉልህ  መገዲ ከምዝኽበር ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓዲግራት ገሊፁ።

እዚ ማለት፥ “ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘሎን ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ዝጎዳደሉ ነገራት ከም ዘለዉ ብዘይ ምዝንጋዕን ኣብ ግምት ብዘእተወን ኣገባብ ንክበዓል ዘኽእል ምድላዋት ኢነ ወጊንና” ክብል ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ እቲ ከይዲ ስራሕ ኣይተ የማነ ተኽለማርያም፥ ”በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መራሕ ሓሳብ ዝኽበር ዘሎ እቲ በዓል ማሕበረሰባዊ ክብርታት ዓጋመ ክብ ብዘብልን ስቓይ ህዝብና ብዝፍውስን ክኽበር ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታት ብምዕቃብ፣ ፀገም ህዝቢ ብምቅላል ናብ ረብሓ ብዝልውጥ መልክዑ ንምብዓል እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል፥ ዓኾ ዓኾዃይ፣ ሆያሆየ፣ ምርኢት ባህሊ፣ ደመራ፣ መኣዲ ዓጋመ፣ ፌስቲቫል ቤተሰብ፣ ጓይላ መስቀል፣ ስፖርት ፅዋዕ መስቀልን ዝኣመሰሉን ምድላዋት እውን ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እቶም መግለፂ ክብሪ ህዝቢ ዝኾኑ ትውፊታት ኣካል ሕውየት ብምግባር፥ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይንኻ ንረብሓ ብዝጥዕሙን ፀገም ሀዝቢ ብዘቃልሉን ኣገባብ ንምኽባር ምድላዋት ከም ዝተገበረ ኣይተ የማነ መግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ድሕንነትን ፀጥታን ዜጋታት ውሑስ ንምግባርን ብምኽንያት እቲ በዓል ዝተጋነነ ናህሪ ዋጋ ንዘርኣዩ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዝከታተል ኮሚቴ ተጣይሹ እቲ በዓል ንክብሪ ህዝቢ ብዝምጥን ኣገባብ ንክሓልፍ እናተሰርሐሉ ከም ዝርከብ እውን ኣረዲኦም።

በዓል መስቀል ኣብ ከባብታት ዓጋመ ብፍሉይ ፅምብልን ባህላዊ ትሕዝቶን ከም ዝኽበር ዝፍለጥ እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.