ንዓበይቲ ሃገራት ዝግበር ፋይናንስ ልምዓት እኹልን ፍትሓዊን ኣይኮነን-ኣይተ ደመቀ መኮነን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዓበይቲ ሃገራት ዝግበር ፋይናንስ ልምዓት እኹልን ፍትሓዊን ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።
ኣይተ ደመቀ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት መደረ ኣስሚዖም።
ኣብ ኣፈፃፅማን ኣጀንዳ መርሃግብሪ ተግባር ኣዲስ ኣበባን ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዘሎ ሩርፀኝነት ጉድለት ኣለዎ ኢሎም።
ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዘጋጠመ ኮቪድ 19 ዝተዳኸመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ንዓበይቲ ሃገራት ዝግበር ፋይናንስ ልምዓት እኹልን ፍትሓዊን ከምዘይኮነ እውን ምብርሆም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።