Fana: At a Speed of Life!

በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ልምዲ ብምውሳድ ክኸውን ይግባእ – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ልምዲ ብምውሳድ ክኸውን ከምዝግባእ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል በዓል ትንሳኤ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለፂ ሰናይ ትምኒት፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻን ንምቁፅፃርን ኣከባብራ በዓል ትንሳኤ እዚ ዓመት ኣካላዊን ማሕበራዊን ምርሕሓቕ ተግባራዊ ብምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

“ኣካላዊን ማሕበራዊን ምርሕሓቕ ተግባራዊ ብምግባር እነኽብሮ ንሕና ጥራሕ ኣይኮንናን” ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዓል ትንሳኤ ዘኽበሩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና፤ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣካላዊን ማሕበራዊን ምርሕሓቕ ተግባራዊ ገይሮም ከምዘኽበሩዎ ገሊፁ።

ስለዝኾ ድማ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻን ንምቁፅፃርን ኩሉ ሕብረተሰብ ካብ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ብምውሳድ እንተይተኣከበ ፀሎት ምክያድን ካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ እናተኸታተለ ክፍፅምን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዘለኹም ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና፣ እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት፣ ብሽም ህዝቢ ትግራይ እንተመሓላልፍ፣ እቲ በዓል፣ ሰላምና ውሑስ ገይርና፣ ተሓጋጊዝናን ተሓባቢርናን፣ ብሕጉስ መንፈስ ንክኽበር፣ ሕድሕድና ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ እጃምና ከምእነወፊ ብምትእምማን እዩ፡፡

ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ንመራሕቲ ሃይማኖት፣ ንመናእሰይ ትግራይ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ንሰብሃፍትና፣ ንሕጋዊ ነጋዳይና፣ ብድማር ንኹሉኹም መድረግቲ ኣካላት፣ ብቐንዱ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብሙልእነት ክትግበር፣ በቲ ካሊእ መዳይ ድማ፣ እቲ ኣዋጅ ዘስዕቦ፣ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ንምንካይ፣ ከምኡ እውን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎም ፅጉማት ወገናትና፣ ንምሕጋዝ እትገብርዎ ዘለኹም ምርብራብ፣ ንኹሉኹም ገበርቲ ሰናይ መድረግቲ ኣካላት፣ የቐንየልና!! እንትንብል ደገፍኩም ከምእትቕፅልሉ፣ ካልኦት ድማ ኣሰርኩም ከምዝስዕቡ፣ ብምትእምማን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ነዚ ኣብ ዓርሱ ጥራሕ ተኣማሚኑ፣ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ዘየስኩኖ ህዝቢ ትግራይ፣ ንምምራሕ ታሪኽ ስለዝዓደሎ፣ ዝስምዖ ሓበን፣ ክብርን፣ እንትገልፅ፣ ንህዝብናን ብዝለዓለ ናይ ቃልሲ ወነንን ናህሪን፣ ብጊዜ የለን መንፈስ ንምግልጋል ዳግም ቃሉ ብምሕዳስ እዩ፡፡

ሕድሕድና ከምእንርድኦ፣ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ /ኮቪድ- 19/፣ ሎሚ ዓመት እነኽብሮ፣ በዓል ትንሳኤ፣ ከምቲ ንዘበናት እናኽበርናዮ ዝመፃእና ኣይኸውንን፡፡ ማለት ከም ወትሩ ኣብ ድሮ በዓል ትንሳኤ፣ ሎሚ ዘበን፣ ኣብ ቤተ እምነታት፣ ብበዝሒ ተኣኻኺብና፣ ፀሎትን ስግዳንን ንምክያድ፣ ንምሕላፍ ዘኽእል ኩነታት የለን። ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ፣ ኣገባብ ኣካያይዳን፣ ዝተላመድናዮ ሃይማኖታዊ ስርዓት እዩ ዝቕየር ዘሎ፣ እምበር፣ ውሽጣዊ ትሕዝቶ እቲ በዓል ኣይቕየርን፡፡ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ እነኽብሮ ዓብይ በዓል ስለዝኾነ፣ ኣብ ገዛና ኮይንና፣ ምስ ኩሎም ኣዝማድና፣ ፈተውትና፣ ኣዕርኽትና ዋላ ብኣካል እንተዘይተራኸብና፣ ብመንፈስ ብሓደ ከምዘለና ኣሚንና፣ ዓቕምና ብዝፈቐዶን ብኽነት ብዘወግድን ኣገባብ፣ ከምቲ ልሙድ፣ ብሕጉስ መንፈስ፣ ክነኽብሮ ኣለና፡፡ ክነኽብሮ እውን ግቡእ እዩ፡፡

ኣከባብራ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት፣ ሎሚ ዓመት፣ በዓል ትንሳኤ፣ ኣካላዊን ማሕበራዊን ምርሕሓቕ ተግባራዊ ብምግባር እነኽብሮ ንሕና ጥራሕ ኣይኮንናን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም፣ በዓል ትንሳኤ ዘኽበሩ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና፣ ከምወትሩ ተኣኪቦም፣ ኣየኽብርዎን፡፡ ብምኽንያት ዓለማዊ ፀገም፣ ኣስዒቡ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ፣ ኣካላዊን ማሕበራዊን ምርሕሓቕ፣ ብውነ ተግባራዊ ገይሮም፣ እዮም ኣኽቢሮምዎ፡፡

ቅድም ክብል ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፣ በዓል ትንሳኤ፣ በብዓመቱ ኣብ ቫቲካን፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ፣ ክሳብ 100 ሽሕ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና፣ ብሓባር ተረኺቦም፣ ስርዓተ ቅዳሰ ይከታተሉን፣ መልእኽቲ ኣባ ፍራንሲስ እውን፣ ይሰምዑ ነይሮም፡፡ ሎሚ ዓመት ግና፣ ኮሮና ቫይረስ ነዚ ዝለመድዎ ስነ -ስርዓት ንክፍፅሙ ኣየኽእሎምን፡፡
ብምዃኑ ኣባ ፍሪንሲስ ኣብ ቫቲካን፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ካብ ሓደ ደርዘን ምስ ዘይበዝሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኮይኖም እዮም፣ ስርዓተ ቅዳሰን፣ ቡራኸን፣ ኣካይዶም፡፡ ከምኡ እውን ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ኣብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዓለም ንዘሎ ህዝቢ እውን መልእኽቶም ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት እዮም ኣመሓላሊፎም፡፡

ስለዙይ ህዝቢ ትግራይ እውን ኮሮና ቫይረስ /ኮቪድ -19/ ኣብ ርሑቕ ከይኮነስ ኣብ ድርኩኺትና ከም ዘሎ ሓሲቡ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ፣ ከም በዓል ኣንቅፂ /ማናጃይትስ/፣ ኮሌራ፣ ጨለውታ፣ ንፍዮ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተላበድቲ ሕማማት እንተጋጥምዎ፣ ኣካላዊን ማሕበራዊን ልምድታት ምርሕሓቕ ተጠቒሙ ዝምክቶ ዝነበረ ናይ ባዕሉ ተሞክሮታት ዓቂቡ፣ ሎሚ ዓመት፣ በዓል ትንሳኤ፣ ኣብ ቤተ እምነታት፣ እንተይተኣከበ፣ ፀሎት ምክያድ ሓዊስካ ካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ኣብ ገዝኡ ኮይኑ፣ ብዝተፈላለዩ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ እናተኸታተለ ከምዝፍፅሞ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተስፋ ይገብር እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ሰላምና መሊኡ ውሑስ ዝኸውን ሕድሕድ ወዲ ትግራይ ሽርሒታት ጠላማት ቆቛሕ ኮይኑ ብምክትታል፣ ንኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፣ ንኡኡ ስዒቦም ዝተወሰኑ ውሳነታትን ብሙሉእ ልቢ ተቐቢልና፣ መምርሒታት መንግስቲ ትግራይን ሓይልታት ፀጥታን፣ እናኽበርናን ክኽበር እናገበርናን፣ ማዕዳን፣ ምኽርታትን ኣቦታት ሃይማኖት ሰሚዕና፣ ካብታ ዘላትና ምስ ዝተፀገሙ ተማቒልና ነቲ ፀገም ተሳጊርና ንኻልኦት ተምሳሌት ብምዃን፣ በዓል ትንሳኤና ብሰላም ንምብዓል፣ ንኮሮና ቫይረስ ተራሓሒቕና ንምምካት ኩሉ እጃሙ ከወፊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ሰናይ በዓል ትንሳኤ!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.