ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ባሮ ንዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ሩባ ባሮ መሊኡ ኣብ ቀበሌታት 01፣ 02፣ 04ን 05 ብዘስዐቦ ጉድኣት ብዙሓት ነበርቲ ካብ መረበቶም እንትመዛበሉ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዕንወት ኣጋጢሙ፡፡
ካብ ካልእ ግዘ ብዝተፈለየ ኩነታት ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖምን እቲ ምምላእ ማይ ለይቲ ዘጋጠመ ብምዃኑን ዝተረፈ ንብረት ከምዘየለ ነበርቲ እቶም ቀበሌታት ንመራኸቢ ሓፋሽ እቲ እቲ ክልል ተዛሪቦም፡፡
ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ከምኡ እውን እንስሳ ዘቤት ሓዊሱ ካልኦት ንብረታት ብውሕጅ ከምዝተወሰዱ ገሊፆም፡፡
መጠን እቲ ማይ ሕዚ እውን እናወሰኸ ስለዝኾነ ተወሳኺ ጉድኣት እንተየብፀሐ መፍትሒ ንግበረሉ ሓቲቶም፡፡
ተወካሊ ከንቲባ ከተማ ጋምቤላን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዐዕናን ሳይመን ቲያች÷ ዘጋጠመ ጉድኣት ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ ግዳይ እቲ ጉድኣት ዝኾኑ ነበርቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ድልዉነት ምክልኻል ሓደጋ እታ ከተማ ክላኝ ቱት ብግደኦም÷ መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ሓገዝ ብተወሳኺ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ግደኦም ንኽዋፅኡ ፀዊዖም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com