Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 7 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ  ሸውዓተ ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝበልኡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 401 ሰባት እቶም ሸውዓት ብቫይረስኮሮና ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ ኣሎ።

ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 92 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሸውዓቲኦም ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ እቶም ሽዱሽተ ምስ ወፃኡ ዓዲ ዝተሓሓዝ ጉዕዞ ታሪክ ዘለዎምን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዘለዉን ኢዮም ተባሂሉ።

እታ ዝተረፈት ጓል 14 ዓመት ድማ ታሪክ ጉዕዞ ዘይብላን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ምንኽኻእ ከይህልዋ ይፃረ ከምዘሎን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ዕድመኦም 21ን 51 ዝኾኑ ሕሙማት ካብ ኣሜሪካ ዝመፅኡ እንትኾኑ፥ እቶም 32ን 76 ዝዕድሚኦም ድማ ካብ ስዊድን ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ወዲ 32 ዓመት ኢትዮጵያዊ ጉዕዞ ታሪክ ጀርመንን ቤልጂየምን ዘለዎ ከምኡ እውን እቲ ወዲ 39 ድማ ካብ ጃፓን ዝመፅአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.