Fana: At a Speed of Life!

ኪም ናይ ኢደዙር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምቅላስ ኣብ ጎኒ ሩሲያ ጠተው ከምዝብሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዓለም ዝረአ ናይ ኢደዙር ባዕዳዊ መግዛእቲ (ኢምፔሪያሊዝም) ንምቅላስ ኣብ ጎኒ ሩሲያ ደው ከምዝብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኪም ጆንግ ኡን ቮስቶቺኒ ኮስሞደድሮም ኣብ ዝረብሃለ ማእኸል ምርምር ጠፈር ሩሲያ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛቲዮም፡፡

ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዘተኦም÷ ሰሜን ኮሪያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ከምተጠናኽር ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ድማ ፕዮንግያንግ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢኣ ንሞስኮ ቅድሚት ከምትህብ ኣብሪሆም፡፡

ኪም ሩሲያ ሉኣላዊነታ ንምሕላው ብርቱዕ ቃልሲ እናገበረት ምዃና ኣልዒሎም፡፡

“ሰሜን ኮሪያ ውሳነታት ፕሬዚዳንት ፑቲን ትድግፍ ኢያ” ዝበሉ ኪም ጆንግ ኡን÷ “ሓደ ብምዃን ኢምፔሪያሊዝም ክንቃለስ ኢና” ኢሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብግደኦም÷ ሩሲያ ንሰሜን ኮሪያ ሓገዝ ሳተላይት ንምግባር ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፆም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ወታደራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ብሓባር ከምዝሰርሓ ፑቲን ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.