Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ  መንግስቲ እታ ሃገር ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ጠጠው ንከብል ምውሳኖም ዝተፈላለዩ ኣካላት ተቓውሞታት ምስምዖም ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፥ ነቲ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ውሳነ ከምዝኹንኑዎ ኣብ ትዊተር ገፅ ኣፍሊጦም።

ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብዚ እዋን መሪሕነት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝድለየሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ነቲ ትካል ዘዳኽም ስጉምቲ ምውሳድ ዘሕዝን ከምዝኾነ ድማ ገሊፆም።

“ንሕና ንውድብ ጥዕና ዓለም እንገብሮ ደገፍ እቲ ትካል ብሙሉእ ዓቕሙ ንክሰርሕ ዝሕግዝ ኢዩ፤ ካብዚ ዝኸፍአ እዋን ድማ ኣይብልናን” እውን ኢሎም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካ ሕማማት ዓሶ፣ ዓባይ ሰዓልን ኤችኣይቪ ኤድስን ኣብ ምቅላስ ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.