Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ዓመተ 2016 ኣብ መላእ ሃገር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓዱሽ ዓመት ዓመተ 2016 ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ ምድላው ይኽበር ኣሎ።

እቲ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር መራሕቲ ሃይማኖትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፊም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዘሎ ዲያስፖራ ትግራይን ፈተውትን ደገፍትን ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንሓዲሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብፅሓኩም ኣብፅሓና ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ “ብፍቓድ ፈጣሪ 2015 ዓ.ም ሓሊፍና ናብ ሓዱሽ ዘበን በፂሕ፤ ኢትዮጵያ እውን ንውረድ ደይብ እናሰዓረት ተጓዒዛ” ኢሎም።

“ፅኑዕ መምርሒ፣ ብርቱ ህዝብን ዘይሰዓር ኣምላኽን ስለዘለና ኣብዚ በፂሕና” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፈተናታት ነኪዮም፤ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ካብ ኣልማዝ ጠንኪሩ፤ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ከምዝፀንዕ ገሊፆም።

ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ናብ ዝምጥና ብርኪ ክነሳግሮ ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)÷ ሓዱሽ ዓመት ዓመተ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንኽኸውን ተመኒዮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.