Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ወለዶታት ልውውጥ ፍልጠትን ልምዲን ዘይነዓቕ ረብሓ ኣለዎ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ወለዶታት ልውውጥ ፍልጠትን ልምዲን ዘይነዓቕ ረብሓ ኣለዎ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

የትውልድ ቀን ‘ኢትዮጵያ የትውልዶች ድምር’ በሚል መሪ ቃል በአዲስ አበባ ዋናው ግቢ እየተከበረ ነው።

መዓልቲ ትውልዲ÷ “ኢትዮጵያ ድምር ወለዶታት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዋና ግቢ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ እዋን÷ ናይ ሕዚ ወለዶ ንባዕሉ ክሓቶ ዝግባእ ንዝቕፅል ወለዶ ዘሕልፎ እንታይ ኢ ዝብል ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

“ብምዃኑ ኣብ ዝግበር ስራሕ ሎሚ ጥራሕ፣ ዝተወሰኑ ነገራት ጥራሕ፣ ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ወይ እውን ጉጅለታት ጥራሕ ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ ተተካኢ ወለዶ ዘገናዘበ ክኸውን ኣለዎ” ኢለን፡፡

መናእሰይ ተወዲቦም ዝዘራረቡሉ መድረኽ ክህሉ ከምዝግባእ ብምሕባር ብሓደ ምዝረራብ ናይ ምሕሳብ ሓይሊ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካሊእ ወለዶ ክሰጋገር ዝግበኦ ክብሪ ሓቀኝነት፣ ተኣማንነት፣ ህርኩት ምዃንን ፍቕሪ ሃገርን ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣብሪሀን፡፡

መፃኢ ወለዶ ብዙሓት ፈተናታት ከምዘለዉዎ ዝሓበራ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ÷ ናይ ሕዚ ወለዶ ፍልጠትን ክእለትን እናሃለዎ ሃገር ኣብ ምግልጋል ድኽመት ከምዝረኣየሉ ተዛሪበን።

እቲ ወለዶ ኣፈላላይ ብኲናት ዘይፍታሕ ምዃኑ ዝኣምን ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.