Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 2 ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ዓለም እናተላበደ ዝርከብ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ 2 ሚሊየን 23 ሺሕን 217 ሰባት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

128 ሺህን 834 ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሕለፉ እንትኾኑ፥ 500 ሺሕን 996 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ክድሕኑ ክኢሎም ኢዮም።

ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ 609 ሺህ 685 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ካብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ስፔን 177 ሺሕን 633፣ ጣሊያን 162 ሺሕን 488፣ ጀርመን 132 ሺሕን 210 ከምኡ እውን ኣብ ፈረንሳይ 131 ሺሕን 362 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ኣብ ሃገራት ዓለም በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት እናወሰኸ እንትኸውን፥ ኣሜሪካ 26 ሺሕን 064 ዜጋታታ ስኢና ኣላ።

ጣሊያን 21 ሺሕን 067 ሰባት፣ ስፔን 18 ሺሕ 579፣ ፈረንሳይ 15 ሺሕን 729፣ ብሪታኒያ 12 ሺሕን 107 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ 16 ሺሕን 200 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 873 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን 3 ሺሕን 235 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝደሓኑን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.