ወለንታዊነት ዕለታዊ እናተግበርናዮ ክንነብር ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ – ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወለንታዊነት ዕለታዊ እናተግበርናዮ ክንነብር ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ገሊፆም።
መዓልቲ ወለንታዊነት ‘ወለንታዊነት ንሃገር’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ብብርኪ ሃገር እናተኸበረ ይርከብ።
እቲ ዕለት ኣመልኪቱ ሚኒስቴር ደቂ ኣንትስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ሚኒስቴር ሰላምን ካልኦት ትካላትን ብምትሕብባር ወለንታዊነት ንሃገር ብዝብል መሪሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ፓናል ዘተ ኣሳሊጡ።
ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ኣብቲ እዋን÷ ከም ሃገር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ለውጢ ወለንታዊነት ናይ ባዕሉ ዓብዪ ብፅሒት ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ “ኣብ ዕለታዊ ናብራና ክንትግብሮ ይግባእ” ኢሎም፡፡
ሚኒስትር ደቂ ኣንትስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ወለንታዊነት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ሃገርን ህዝቢን ብምግልጋል ዝርከብ ዓብዪ ዓቕሚ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
መስራቲ ማእኸል መሕብሐቢ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን መቄዶንያ ዶክተር ቢንያም በለጠ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፉ መልእኽቲ÷ ሰናይ ተግባር መስዋእትነት እንተይተረፈ ዝሓትትን ንካልኦት ናይ ምንባር ብፅሒትን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com