Fana: At a Speed of Life!

ንምኽባር ሉእላውነትን ናፅነትን ኢትዮጵያ በቢዘበኑ ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም-ወይዘሮ ማርታ ሊዊጂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምኽባር ሉእላውነትን ናፅነትን ኢትዮጵያ በቢዘበኑ ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም ክብላ ሚኒስትር ዴኤታ መክልኻል ሃገር ወይዘሮ ማርታ ሊዊጂ ገሊፀን።

መዓልቲ መስዋእትነት 2 ጳጉሜን፥ “ብመስዋዕትነት እትፀንዕ ሃገር!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ይኽበር ኣሎ።

ብፓናል ዘተ ኣብ ዝተኸበረ እቲ በዓል ዝተረኸባ እተን ሚነስትር ደኤታ፥ሉእላውነት ኢትዮጵያ ዝተኸበረ ብመስዋእትነት ከምዝኾነን ምኽኒያታዊ ትውልዲ ምፍጣር ከምዝግባእን ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ብቕብብል ጀጋኑ ደቃ ተኸቢራ ክትቅፅል ኢያ እወን ኢለን።

ሉእላውነታ ተደፊሩ ነፃነጣ ተቐንጢጡ ከምዘይፈልጥ ብምሕባር፥ ነዚ ድማ በቢዘበኑ ጀጋኑ ደቃ መስዋእትነት ከፊሎም ኢዮም ኢለን።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሃገርን ህዝብን ህይወቱ ብምሃቡ ክብሪ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ተይተሸራረፈ ንክፀንሕ ምግባር ከምዝተኽኣለ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.