ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ንህብታት ኢትዮጵያ መስዋእትነት ዝኸፍላ ኢየን- ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ንህብታት ኢትዮጵያ መስዋእትነት ዝኸፍላ ኢየን ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።
መዓልቲ መስዋእትነት 2 ጳጉሜን፥ “ብመስዋዕትነት እትፀንዕ ሃገር!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ሃገር ይኽበር ኣሎ።
ኣይተ ተመስገን፥ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ንህብታት ኢትዮጵያ መስዋእትነት ዝኸፍላ ኢየን ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላለፎም።
መስዋእትነት ማለት፥ ሓደ ልዕል ዝበለ ነገር ንምፅናዕ ናይ ባዕልኻ ዝኾነ ነገር ምስኣን ማለት ኢዩ ኢሎም።
ንኣባላት ፀፅታን ድሕንነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።