ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ፥ ኣብ ትግራይ ተበቲኑ ዘሎ ዓቕሚ ብምውዳድ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ- ሌ/ጀነራል ፃድቃን
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ዝተፈላለያ ትካላት ዝሰናዳእ ውድድር ስራሕ ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ብምስግጋር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክልል ትግራይ ንምልዋጥ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብፂሒቶም ንከበርክቱ ዝዓለመ መድረኽ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ መዳርግቲ ኣካላት፥ ናትና ንብሎ ምህዞን ፈጠራን ተጠቒምና ካብ ዘለዉና ተደራረብቲ ፀገማት ንኽንወፅእ ብፂሒትና ክንፍፅም ኢና ኢሎም።
ኢኮኖሚ እቲ ክልል ባይታ ዘቢጡ እዩ ዝበላ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሳይንስ ፣ቴክኖሎጂ ፣ ፈጠራን ስልጠናን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣልጋነሽ ተሰማ፥ ዕብየት ትግራይ ብዘይ መሃዝትን ስራሕ ፈጠርትን ስለዘይሕሰብ ኣብቲ ዓውዲ ርኡይ ዝኾነ ስራሕ ንክንሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢለን።
ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ካቢኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ብግደኦም፥ ምህዞ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ናይ ደቂ ሰባት ፍልጠትን ጉልበትን ብምትሕብባር ኩለመዳይ ለውጢ ንምምዝጋብ ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ተበቲኑ ዘሎ ዓቕሚ ትግራይ ኣዋዲዱ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።
ውድድር ምህዞን ፈጠራን መዳይብ ንትግራይ ኩለመዳይ ፀገማት ዝፈትሕ ንክኸውን ዓቕምታት ወዲቡ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ካብ መንግስቲ ፣ ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ዝርከብዎ ኣድቫይዘሪ ቦርድ ኣብቲ መድረኽ ከምዝተጣየሸ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።