Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት 4ይ ቅልጡፍ ሰዓት 5 ሺሕ ሜትሮ ኣመዝጊባ

ኣዲሰ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሺሕ ሜትሮ ናይ ዓለም 4ይ ቅልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊባ።

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ በርሊን ኮንቲነንታል ቱር ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ሪከርድ ክተሰብር ኣይትኽኣል እምበር÷ 14 ደቒቕን 08 ሰከንድን ብምእታው ኢያ 4ይ ቅልጡፍ ሰዓት ክተመዝግብ ክኢላ።

ኣብ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ሓሙሽተ ቅልጡፋት ሰዓታት ዝተመዝገቡ እንትኾኑ÷ እቶም ሰለስተ ብኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ዝተመዘገቡ ኢዮም።

ክብረ ወሰን ዓለም 5ሺሕ ሜትሮ 14፡05 እንትኸውን፥ ብኬኒያዊት ኣትሌት ፌዝ ኪፒዮጎን ተታሒዙ ይርከብ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.