Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል ስራሕ ብዝሓሸ ኩነታት ይፍፀም ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዓሊሙ ምስ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ፥ ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል ስራሕ ብዝሓሸ ኩነታት ይፍፀም ምህላዉ ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ምርግጋፆም ሓቢሮም።

እቲ ዝኸፍአ ኩነታት እንተተፈጠረ እውን ነዚ ንምብዳህ ዘኽእል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣስታት 1 ሺሕን 200 ዝኾኑ ምግቢ ዝእከበሎም ባንኪታት ከምዝተዳለዉ ምስምዖም ከምዘሐጎሶም ድማ ሓቢሮም።

ኣብ ክልላት እቲ ቫይረስ በቢመዓልቱ ንምምርማር ዘኽእል መመርመሪ ላቦራቶሪታት ይዳለዉ ምህላዎም ከምኡ እውን ንክትትል፣ ፈሊኻ መፅንሒን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምሃብን ዘኽእሉ ተወሰኽቲ ትካላት ይዳለዉ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

ቬንትሌተራት ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍራይ ዘኽእል መገዲ ይናደ ኣሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ በቢከባቢኡ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት እውን አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.