ልዕሊ 188 ሺሕ መዛግብቲ ምርመራ ገበን ውሳነ ተዋሂቡዎም – ሚኒስቴር ፍትሒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 188 ሺሕ ዝኾኑ መዛግብቲ ምርመራ ገበን ውሳነ ከምዝተውሃሎም ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።
ሓበራዊ መድረኽ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ቢሮታት ፍትሒን ትካላት ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊን ክልላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ መሰረታዊ፣ ዝረአን ፍትሒ ክነምፅእ ኣለና ብዝብል ፍኖተ ካርታ መመሓየሺ ዓውዲ ፍትሒ ከምዝተሰናድአ ገሊፆም።
ዳይሬክተር ስትራቴጂክ ጉዳያት እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ደሳለይ መንግስቴ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት 198 ሺሕን 439 መዝገባት ምርመራ ገበን ኣብ ኢድ ኣኽባሪ ሕጊ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።
ካብዚ ልዕሊ 188 ሺሕ ዝኾኑ መዛግብቲ ምርመራ ገበን ውሳነ ተዋሂቡዎም ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።