ሕብረት ኣውሮፓ ቁፅሪ ኣባላቱ ንምውሳኽ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ቁፅሪ ኣባል ሃገራት ንምውሳኽ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ቻርለስ ሚሼል÷ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ንምቕባል ሓሳብ ከምዘቀቕርቡ ንፋይናንሺያል ታይምስ ፀሪሑ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡
“ብሪቲሽ ዴይሊ” ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና እውን እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ስሎቬንያ ኣብ ዝገብሩዎ መደረ ዘቕርቡዎ ሓሳብ ከምዝረኸበ ኣብ ፀብፃቡ ኣፍሊጡ።
ከም እቲ ፍልፍል ሓበሬታ እንተኾይኑ÷ ሕብረት ኣውሮፓ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ሓደሽቲ ሃገራት ንምቕባል ንኽዳሎ ፃውዒት ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት÷ ከም ሞልዶቫ፣ ኣልባኒያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ሰርቢያ፣ ሰሜን መቄዶንያን ቦስኒያ ሄርዞጎቪን ዝበላ ሕፁያት ኣባል ሃገራ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝካፈላሉ መድረኽ ስሎቬኒያ ሓሳቦም ክገልፁ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com