Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 1 ሚሊየን 870 ሺሕን በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 1 ሚሊየን 870 ሺሕን 76 በፂሑ።

ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንሰ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ 116 ሺህን 52 ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሕለፉ እንትኾኑ፥ 441 ሺሕን 323 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ክድሕኑ ክኢሎም ኢዮም።

ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ 558 ሺህ 526 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ካብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ስፔን 169 ሺሕን 496፣ ጣሊያን 156 ሺሕን 363፣ ፈረንሳይ 133 ሺሕን 672 ከምኡ እውን ኣብ ጀርመን 127 ሺሕን 854 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ኣብ ዓለም በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት እናወሰኸ እንትኸውን፥ ኣሜሪካ 22 ሺሕን 114 ዜጋታታ ስኢና ኣላ።

ጣሊያን 19 ሺሕን 899 ሰባት፣ ስፔን 17 ሺሕ 489፣ ፈረንሳይ 14 ሺሕን 393፣ ብሪታኒያ 11 ሺሕን 329 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ 14 ሺሕን 400 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 788 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ።

2 ሺሕን 823 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ከምዝሓወዩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.