ዓውዲ ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ውፅኢታዊ ንምግባ ይስራሕ ኣሎ – ሙፈሪሃት ካሚል
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ፍልጠትን ክእለትን ዘራኽብ ድልድል ብምዃኑ እቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።
ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ፌዴሪኢ÷ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 3 ሺሕን 600 ተምሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ተምሃሮኡ ኣመሪቑ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት በምረቓ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል÷ ዘፈር ቴክኒክን ሞያን ክእለትን ፍልጠትን ዘራኽብ ድልድል ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
እቲ ዓውዲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስጋር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ገሊፀን፡፡
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስትዩት ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ብግደኦም÷ እቲ ትካል ክፍተታት ምርምር እናመልአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ተመረቕቲ ዝዓተሩዎ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ተግባር ብምልዋጥ ንዕቤት ቴክኖሎጂን ፈጠራ ስራሕን ሃገር ርኡይ ግደ ንኽፃወቱ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ብሳሙኤል ወርቃየሁ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com