ኢትዮጵያ ኣባል ሃገር ብሪክስ ምዃና ተደማፅነታ ንኽውስኽ ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰደ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ሃገር ብሪክስ ምዃና ምትሕብባራት ኢኮኖሚ ካብ ምስፋሕ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ በዓል ብዙሕ ወገን ተደማፅነታ ንኽውስኽ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ጉባኤ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣርጀንቲና፣ ግብፂ፣ ኢራን፣ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ከምዝኾና ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡
ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን÷ ብብርኪ ዓለም 40 ሃገራት ኣባል ብሪክስ ንምዃን ድሌት ከምዘርአያ ተዛሪቦም፡፡
ካብ ሞንጎ እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሕቶ ኣባልነት ሽዱሽተ ሃገራት ተቐባልነት ምርካቡ ብምሕባር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቅድሚ እቲ ጉባኤ ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ መራሕቲ ብዝነበሮም ዘተ ሕቶ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ንኽረክብ ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበሩ ኣብሪሆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኢሉ እውን ኣብ ዓለም መድረኻት ዲፕሎማሲ ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ተስፋ መፃኢ ብምርኣይ ርኡይ ግደ ኣበርኪቶም ኢዮም ኢሎም፡፡
እዚ ድማ ሕቶ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ተቐባልነት ንኽረክብ ከምዝገበረ ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣባል ሃገር ብሪክስ ምዃና÷ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ኣማራፂ ኢንቨስትመንትን ከምዘስፍሕ እውን ኣምባሳደር ሬድዋን ምግላፆ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com